Fana: At a Speed of Life!

ሰርጌ ላቭሮቭ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ረብሓ ክልቲአን ሃገራት ዘረጋግፁ ውሳነታት ዝተመሓላለፈሉ ኢዩ-ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ረሲያ ሰርጌ ላቭሮቭ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ረብሓ ክልቲአን ሃገራት ዘረጋግፁ ውሳነታት ዝተመሓላለፈሉ ኢዩ ከብል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ኣፈኛ እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር መለስ ኣለም ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ እቲ ዑደት ካብ ሰሶቬት ሕብረት ጀሚሩ እናተንከባበለለ ዝመፅአ ልቓሕ ንምምሕዳር መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝመረፆም ፕሮጀክቲታት ኩባኒያያት ሩሲያ ተዋፊሮም ነክሰርሑ ኣብ ስምምዕነት ተበፂሑ ኢሎም።

ብመሰረት እዚ 162 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ዋጋ ዘለዎም ፕሮጀክቲታት ብሓባር ተግባራዊ ከምዝግበር ገሊፆም።

ሰርጌ ላቭሮቭ ምስ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ፣ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ  ደመቀ መኮንን ብሓባር ኣብ ክልቲኣዊን ኩለመዳይ ርክበን ልዝብ ከምዝገበሩ ኣዘኻኺሮም።

ስለዝኾነ ሰርጌ ላቭሮቭ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ረብሓ ክልቲአን ሃገራት ዘረጋግፁ ውሳነታት ዝተመሓላለፈሉ ኢዩ ኢሎም።

ብበርናባስ ተስፋዬ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.