Fana: At a Speed of Life!

ሰራዊት እስራኤል ናብ ደቡባዊ ጋዛ እናደፍአ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)እግረኛ ሰራዊት እስራኤል ናብ ደቡባዊ ጋዛ እናደፍአ ምዃኑ ተገሊፁ።

እቲ ወታደራዊ ሓይሊ ማእኸላይ እዚ፣ መኽዘን ጦር መሳርሒን ሓይሊ ባሕሪን ሃማስ ዒላማ ብምግባር እናደፍአ ከምዝኾነ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

ምስ ሃማስ ዝተበፅሐ ግዚያዊ ስምምዕ ምቁራፅ ተኹሲ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ምዝዛሙ ስዒቡ÷ እስራኤል ብሓዱሽ መልክዑ መጥቃዕቲ ምኽፋታ ይዝከር።

ሚኒስትር ምክልኻል ኣሜሪካ ሎይድ ኦስቲን÷ እስራኤል ንርእሳ ናይ ምክልኻል መሰል የሃልዋ እምበር ደሕንነት ንፁሃን ክትሕሉ ከምዘለዋ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ርኢቶኦም ንቢቢሲ ዝሃቡ ነበርቲ እቲ ከባቢ እቲ ኩነታት “ልዕሊ ጥፍኣት ኢዩ” ክብሉ ተዛሪቦም፡፡

ምክትል ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ካማላ ሃሪስ ብግደአን÷ ኣዚዮም ብዙሓት ፍልስጤማውያን ከምዝተቐተሉ ተዛሪበን።

ሓደ ስሞም ዘይተገለፁ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል፥ ንፁሃን ከይጉድኡ እስራኤል ትኽእሎ ኩሉ እናገበረት ትርከብ ምባሎም እቲ ፍልፍል ዜና ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.