Fana: At a Speed of Life!

ሰራዊት ምክልኻል ዳንሻ፣ ባዕኸርን ካብ ሸራሮ ክሳብ ሽረ ዘለዉ ከባቢታት ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝተቖፃፀሮም ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ዳንሻ፣ ባዕኸርን ካብ ሸራሮ ክሳብ ሽረ ዘለዉ ከባቢታት ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝተቖፃፀሮም ምክትል ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻልን ሓላፊ ዘፈር ኦፕሬሽንን ፌዴሪኢ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ኣፍሊጦም።

ንኢትዮጵያ መንቀርሳ ዝኾነ ከሓዲ ጉጅለ ህወሓት እንተዘይተደምሲሱ ሃገር ሰላም ከምዘይትኸውን እውን እቶም ጀነራል ገሊፆም።

ጀነራል ብርሃኑ ከምዝበሉዎ፥ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ሰራዊት ምክልኻል ዳንሻ፣ ባዕኸርን ካብ ሸራሮ ሽረ ዘለዉ ከባቢታት ሙሉእ ብሙሉእ ተቖፃፂሩ ንቕድሚት እናገስገሰ ይርከብ ኢሎም።

እቲ ሰራዊት ኣብ ኢድ እቲ ከሓዲ ጉጅለ ዝርከቡ መሳርሒታት ሙሉእ ብሙሉእ ከምዘዕነዎምን ከም ተምች ነቲ ሰራዊት በቢቦትኡ ዝኸበበ ሓይሊ እናራገፈ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

“ኣናእሽቲ ክፋላት ከቢቡ ዝነበረ ሓይሊ ብልዑል ጅግንነት ሰራዊትና ተደምሲሱ ኣሎ” ኢሎም።

ልኡል ቁፅሪ ዘለዎም ፍሉይ ሓይሊን ምልሻታትን እቲ ክልል እናተማረኸ ከምዝርከብ እውን ኣፍሊጦም።

መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ነቲ ሰራዊት ዝገብሮ ዘሎ ልዑ ሓገዝ፥ ልዕልና ሞራል ክላበስ ከምዝገበሮ እውን ገሊፆም።

ንኢትዮጵያ መንቀርሳ ዝኾነ ጉጅለ ብምድምሳስ ልዐልነት ሕጊን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ንምርግጋፅ ብብቕዓት እናሰርሐ ከምዝኾነ ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ፀብፂቡ።

ሓይሊ ሰራዊት ምክልኻል ህዝቢ ከይጉዳእ ንምግባር ህዝቢን እቲ ፅንፈኛ ሓይሊን ፈሊኻ ንምውቃዕ ብጥንቃቐ እናተንቀሳቐሰ ከምዝኾነ እቶም ጀነራል ኣብሪሆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.