Fana: At a Speed of Life!

ሰራዊት ምክልኻል ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅ ዘተባብዕ ስራሕቲ ግብርና የሳልጥ ኣሎ- ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅ ዘተባብዕ ስራሕቲ ግብርና የሳልጥ ኣሎ ክብላ ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር) ገሊፀን።

በተን ሚኒስትር ዝተመርሐ ልኡኽ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ኣለሚቱ ኡሞድን ካልኦት ኣመራርሓ እቲ ክልልን ሰራዊት ምክልኻልን ብምዃን ብሰራዊት ምክልኻል ሃገር ፋውንዴሽንን እዚታትን ዝለምዕ ዘሎ ሕርሻ ተዓዚቦም።

ኣብ ዳሎል ማእከላዊ እዚ  ፋውንዴሽን ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ክልል ጋምቤላ  1 ሺሕን 800 ሄክታር መሬት ብዝተፈላለዩ ኣዝርእቲ ምሽፋን ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ።

እተን ሚኒስትር፥ ሰራዊት ምክልኻል ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅ ዘተባብዕ ስራሕቲ ግብርና የሳልጥ ኣሎ ክብላ ኣብቲ ዑደት ተዛሪበን። ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር)

ምክልኻል ሃገር ግዙፍ ዓቕሚ ዘለዎ ምዃኑ ብምግላፅ፥ ናይ ግብርና ኢንቨስትመንት ዘላቕነት ንክህልዎ ክስራሕ ኢዩ ኢለን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.