Fana: At a Speed of Life!

ሰራዊት ምክልኻል ካብ ዝኾነ ይኹን ኣንፈት ክፍኖ ዝኽእል መጥቃዕቲ ብብቕዓት ክዋፃእ ኣብ ዘኽእሎ ቁመና ከምዝርከብ ፓርቲ ብልፅግና ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ካብ ወፃኢ ንዝወሃቦ ዝኾነ ይኹን ህዝባዊ ልኡኽቶ እናፈፀመ ስሙ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፣ ሕብረት ኣፍሪካን ምብራቕ ኣፍሪካን ጎሊሁ ዝተፅሓፈሉ ሰራዊት ምክልኻል ካብ ዝኾነ ይኹን ኣንፈት ክፍኖ ዝኽእል መጥቃዕቲ ብብቕዓት ክዋፃእ ኣብ ዘኽእሎ ቁመና ከምዝርከብ ፓርቲ ብልፅግና ኣፍሊጡ።

ደኺሙኒ ዘይፈልጥ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ፥ ኣብ ማሕበራዊን ሰብኣዊን ጉዳያት ኣብ ጎኒ ህዝቢ እናተሰለፈ ምፅሑ እውን እቲ ፓርቲ ኣብሪሁ።

ሓረስታይ ካብ ማሕረስ ጀሚሩ ፍርያቱ ናብ ገዝኡ ክሳብ ዘእቱ ኣብ ዘሎ ከይዲ እቲ ሰራዊት ሓገዝ እናገበረ ከምዝነበረን ብሕፅረት ደም ምኽንያት ንሞት ከይቃልዑ ደም ብምልጋስ ማሕበራዊ ሓላፍነቱ ከምዝተዋፀአ እውን ገሊፁ።

ቫይረስ ኮሮና ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝኣተወሉ እዋን ጀሚሩ ድማ ንዝተፀገሙ፣ ዓቕሚ ዘይብሎምን ኣብ ፀገም ዝርከቡን ክፋላት ማሕበረሰብ ሓገዝ ብምግባር ኣለኹልካ በሃላይነቱ ብተግባር ዘመስከረ ኢዩ ኢሉ።

ኣብ ቀረባ እዋን ጉጅለ ጥፍኣት ዝኾነ ህወሓት ብዝተቐነባበረ ሽርሒ ጥፍኣት ሓደ ዝኾነን ክትግበር ቀርዩ ክሕሰብ ዘይኽእል ተግባር ኣብ ልዕሊ ካምፒ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ብምፍናው ፈተነ ዘረፋ ከምዝገበረ እቲ ፓርቲ ገሊፁ።

ንህዝቢን ሃገርን መሰል ሃገራዊ ልኡኽቶ ብብቕዓት ክፍፅም ዝኸኣለ ጅግና ሰራዊት መልሱ ጥይት ኮይኑ ኢዩ እውን ኢሉ።

እቲ ተግባር ህዝቢ ዘደንገፀን ሃገር ብጋህዲ ዝኸሓደ ምዃኑ ንኢትዮጵያውያን ዘርኣየሉ ከምዝኾነን ክኹነን ዝግበኦ ተግባርን ኢዩ ክብል ገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.