Fana: At a Speed of Life!

ሰራዊት ምክልኻል ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ክኣቱ ዝነበረ 95 ሺሕ ጥይት ሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ሱዳን ብግዝኣት ገዳሪፍ ኣቢሉ ናብ ኢትዮጵያ ክኣቱ ዝነበረ 95 ሺሕ ጥይት ምሓዙ ኣፍሊጡ።

ብኣድጊ ተፃዒኑ ናብ ኢትዮጵያ እናኣተወ ካብ ዝነበረ ጥይጥ ብተወሳኺ፥ እቲ ሰራዊት ብዝገበሮ ኦፕሬሽን መዐወኒ ሓሽሽ ከምዝሓዘ እውን ተሓቢሩ።

እቲ ሰራዊት ካብ ወታደራዊ ድሕንነት ብዝረኸቦ ሓበሬታ መሰረት ገይሩ ብዝገበሮ ሃንደበታዊ ኦፕሬሽን ብዘይሕጋዊ መገዲ ክኣቱ ዝነበረ ጥይትን መዐወኒ ሓሽሽን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘውዓለ ሱና ጠቒሱ ሱዳን ትሪቡን ፀብፂቡ።

እቶም ጠያይቲ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ኢትዮጵያ እናእተዉ ዝነበሩ ኣካላት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ እውን ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.