Fana: At a Speed of Life!

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝጀመሮ ክውድእ ዝኽእል ዝሓሰቦ ዘዕውት ትካል ኢዩ – ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝጀመሮ ክውድእ ዝኽእል ዝሓሰቦ እውን ዘዕውት ትካል ኢዩ ክብሉ ሚኒስትር ምክልኻ ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ኣብ ትሕቲ ትሕዝቶ ኢንተርፕራይዝ ኮንስትራክሽን ምክልኻል ኣብ ዝነበረ ወሎ ሰፈር ንዝህነፅ ፕሮጀክት ህንፀት ሚኒ ሲቲ ከነኣን ታውን ሺፕ እምነ ኩርናዕ ተነቢሩ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዝተረኸቡ ሚኒስትር ምክልኻል ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) እቲ እምነ ኩርናዕ ምሰቐመጡ ከምዝበሉዎ፥ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ትሕዝ ምክልኻል ሃገር ዝነበሩ መሬታት ክለምዑ ብዝግበኦም መጠን እንተይለምዑ ፀኒሖም ኢዮም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ትካል ብመንፅር ዝሓዞዘ ለውጢ ብዙሓት ሓደሽቲ ፕሮጀክታት ህንፀት ከምዝጀመረ ብምግላፅ፥ ፕሮጀክት ህንፀት ሚኒ ሲቲ ከነኣን ታውን ሺፕ ኣብ ዝተትሓዘሉ እዋን ንኽዛዘም ምክልኻል ንግሩፕ ከንኣን ዘይተሓለለ ሓገዝ ክገብር ኢዩ ኢሎም።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢንተርፕራይዝ ኮንስትራክሽን ምክልኻል ሰለሞን ደመቀ (ኢ/ር) ብግደኦም፥ እቲ ኢንተርፕራይዝ ዓቕሙ መጠን ግድኡ ከይፃወት ዝገበሩዎ ብዙሓት ማሕለኻታት ኣብዚ ሕዚ እዋን እናተፈትሑ ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡

ኣብ ቀፃሊ እውን ዓቅሙ ክብ ዘብሉ ተግባራት ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ምግላፆም ካብ ገፅ ሚኒስቴር ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.