Fana: At a Speed of Life!

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ እዋናዊ ኩነታት ሃገር ዝጠመተ ንተወከልቲ ማሕበረሰብ ዓለም መብርሂ ይህብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ እዋናዊ ኩነታት ሃገር ዝጠመተ ንተወከልቲ ማሕበረሰብ ዓለምን ሓለፍቲ ሰላምን ፀፅታን ከምኡውን ንወተሃደራዊ ኣመራርሓታት ዝተፈላለያ ሃገራት መብርሂ ይህብ ኣሎ።

ዳይሬክተር ጀነራል ርክብ ወፃኢን ወተሃደራዊ ትሕብብርን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሜጀር ጀነራል ተሾመ ገመቹ÷ እቲ ሰራዊት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘንፀላልዉ ዝኾኑ ይኹኑ ፈተነታት ጥፍኣት ብዘተኣማምን መገዲ ምምካት ዘኽእል ቁመና ከምዝርከብ ተዛሪቦም።

ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣማራፅታት ሰላም ብምሕሳም ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዳግም መጥቃዕቲ ምኽፋቱ ተዛሪቦም።

እዚ ድማ ንሰላም ድልየት ዘይብሉ ምዃኑ ዘርኢ ኢዩ ኢሎም።

ህወሓት ዝጀመሮ ኲናት ብቴክኖሎጂ ምርግጋፅ ከምዝከኣል ብምግላፅ፥ እቲ ጉጅለ ራዕሪ ኣብ ወትወት ራማ ቢሶበርን ዞብልን ከምኡውን ኣብ ዶብ ዓፋር ኲናት ከምዝኸፈተ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ብፍላይ ረብሓ ህልውና ናይ ምኽባር ትካላዊ ግድነት ከምዘለዎ ሓቢሮም።

ስለዝኾነ ማሕበረሰብ ዓለም ኢትዮጵያ ንሰላም ዝኸፈለቶ ዋጋ ክርዳእን ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ክስለፍን ከምዝግባእ ምብርሆም ኢቢሲ ፀብፂቡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.