Fana: At a Speed of Life!

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ናብ ከተማ ኣክሱም ብምእታዉ እቲ ከባቢ ይረጋጋዕ ኣሎ-ነበርቲ ኣክሱም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ናብ ከተማ ኣክሱም ብምእታዉ እቲ ከባቢ ይረጋጋዕ ኣሎ ክብሉ ነበርቲ ኣክሱም ተዛሪቦም።

እቶም ነበርቲ ኣብታ ከተማ ዝተቛረፁ መብራህቲን ካልኦት ኣገልግሎታትን ብህፁፅ ንክጅመሩ ሓቲቶም።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ነታ ከተማ ካብ ጁንታ ህወሓት ናፃ ብምግባር ካብ ዝቆፃፀር ንደሓር ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ስግኣታት እናቐንሱ ሰላማዊ ምንቅስቓስ ተጀሚሩ ኣሎ።

ሰብ ሞያ ዝተፈላለዩ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብቲ ከባቢ ተረኺቦም ምንቅስቓስ እቲ ከተማ ተዓዚቦም።

ኣብታ ከተማ ቅድም እንትብል ጁንታ ህወሓት ዘናፍሶ ዝነበረ ወፍሪ ሓሾት ተረቢሾም ዝነበሩ ነበርቲ ኣብዚ ሐዚ እዋን ተረጋጊዖም ኣለዉ።

ጁንታ ህወሓት፥ ነበርቲ “ ወራሪ መፅዩኩም፣ ንምውጋእ ተዳለዉ” ብምባል ኣብ ኣክሱም አንትልፍልፍ ከምዝነበረ ብዙሓት ኣዘኻኺሮም።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ከተማ ኣክሱም ካብ ዝቆፃፀር ጀሚሩ ግን ህዝቢ ብምርግጋዕ፣ ሰላምን ፀፅታን ብምሕላው፣ ንህዝቢ ዘለዎ ውግንና ኣርእዩ ኢዩ ኢሎም እቶም ነበርቲ።

እቲ ሰራዊት ፀፅታን ሰላምን እታ ከተማን ድሕንነት ህዝብን ኣብ ምሕላው ብዘይምርብራብ ይሰርሕ ከምዘሎ እቶም ነበርቲ ገሊፆም።

ብምዃኑ ኣክሱም ኣብዚ ሐዚ እዋን ትረጋጋዕን ካብ ዝነበረ ውጥረት ተገላጊላ ትንፋሽ ረኺባ ኣላ ኢሎም።

ከም ኣገላልፃ እቶም ወሃብቲ ርእቶ ኣብታ ከተማ ዝተቛረፀ ኣገልግሎት ባንኪ፣ መብራህቲን ካልኦት ኣገልግሎታትን ብህፁፅ ዕልባት ንክረክብ ድልየት ኣለዎም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

ብፍላይ ኣብታ ከተማ ዘሎ ልዑል ፀገም መስተ ማይ ንክፍታሕ መነግስቲ ዝኸኣሎ ኩሉ ፃዕሪ ይግበረልና ክብሉ ሓቲቶም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.