Fana: At a Speed of Life!

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ስጉምቲ ዝተወሰደሎም ኣባላት ጉጅለ ጁንታ ህወሓት ዕላዊ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣  23 ታሕሳስ፣ 2013  ዓ.ም(ኤፍ ቢ ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ስጉምቲ ዝወሰደሎም ኣባላት ጉጅለ ህወሓት ዕላዊ ገይሩ።

መከላኸሊ ሃገር ናይ ማይካድራ ጭፍጨፋ ዝመርሐ ኮነሬል የማነ ገብረሚካኤል ሓዊሱ ስጉምቲ ዝተወሰዶም አመራርሓ ጉጅለ ህወሓት ዝርዝር ዕላዊ ገይሩ።

ካብ ዝተማረኹ ኣመራርሓ ጉጅለ ህወሓት ነበር ሓላፊት ሚኒስትር ዲኤታ መጓዓዝያ ሙሉ ገብረዝጋብሄር ከምዝርከባ ተገሊፁ።

ስጉምቲ ካብ ዝተወሰዶም ኮሎኔል አለም ገብረመድህን፣ ኮሎኔል ቢንያም ገብረመድህን፣ ኮሎኔል አምባዬ፣ ኮሎኔል ማሾ፣ ኮሎኔል ይርጋ ስዩም፣ ኮሎኔል ሓዱሽ፣ ኮሎኔል ኣጽብሃ፣ ኮሎኔል ተስፋዬ ገብረመድህን፣ ኮሎኔል ዮሃንስ ካልአዩ፣ ኮሎኔል ተክለእግዚአብሄር፣ ሌተናል ኮሎኔል ብርሃኔ ቶላን ካልኦት ብስም ዘይተገለፁ ኣርባዕተ ኮሎኔል ክልተ ኣመራርሓ ዞባ ይርከብዎም።

ሓዱሽ ዘውገ ገዛሀኝ ናይቲ ክልል ኦዲት ሓላፊ ዝነበረ፣ ሰለሞን ሕሉፍ ናይቱ ክልል ልምዓትን ስልጠናን ሓላፊ ዝነበረ፣ ኪዳነማሪያም ገብረክርስቶስ ፋሲል  ናይቲ ክልል ጠቕላይ ዓቃቢ ሕጊ፣ ባህታ ወልደሚኪኤል ናይቲ ክልል ቢሮ ትምህርቲ ቢሮ ሓላፊ ዝነበረ፣ ሓጎስ ወልደኪዳን ገብረማርያም ናይቲ ክልል ኢኮኖሚ ቢሮ ናይ ልምዓትን ትልምን መተሓባበሪ ኢድ ምሃቦም ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ብርክት ዝበሉ ሚኒሻን ኣባላት ፍሉይ ሓይልን  ኢዶም ከምዝሃቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ካብ ዝተማረኹ ኣባላት እቲ ጁንታ ዶክተር ዓለም ብርሃነ፣ ኮነሬል መብራህቱ ገብረመድህን፣ ኮሎኔል ሓዱሽ ሓጎስ፣ ኮነሬል ሕሉፍ ተኽለመድህን፣ ሌተናል ኮሎኔል ተክለ ህይወት ኣሰፋ  እዮም።

ንጥፍኣት ክንቀሳቐስ ዝፀንሐ ኣባል ጉጅለ ህወሓት  ገብረኣምላኽ የዕብዮ ዝተብሃለ ሙሁር ሕጊ ዩንቨርሲቲ መቐለ ከምተማረኸ ተገሊፁ።

መከላኸሊ ሃገር ኣመራርሓ ሽማግለታት ጁንታ ሒዙ ኣብ ቀረባ ዜና ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዕላዊ ከምዝግበር ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.