Fana: At a Speed of Life!

ሰራዊትና ዝገበሮም ወፍሪታት ህዝቢ ናብ ልምዓት ስራሕቱ ንኸኣቱ ኣኽኢሉ – ሌ/ጀኔራል መሓመድ ተሰማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)”ሰራዊትና ዝገበሮም ምስ ሓይሊታት ፀፅታ ክልል ኣምሓራ ብምውዳድ ዝገበሮም ወፍሪታት ህዝቢ ናብ ልምዓት ስራሕቱ ንኸኣቱ ኣኽኢሉ ኢዩ” ክብሉ ኣካቢ ኮማንድ ፖስት ጎጃምን ኣዛዚ እዚ ምብራቕ ሌተናል ጀኔራል መሓመድ ተሰማ ገሊፆም።

እቲ ኮማንድ ፖስት ኣብ ምብራቕ ጎጃም ከተማ ፍኖተ ሰላም ቁልፊ ተግባር ልኡኽቶታት ብምግምጋም ሓይሊ ፀፅታን ምምሕዳርን ተዋዲዶም ብምስረሖም ዝተረኸበ ውፅኢት እቲ ክልል ገፁ ናብ ልምዓት ንኸዝውር ከምዘኽአሎ ኣረጋጊፆም።

ሌ/ጀኔራል መሓመድ ተሰማ ዝተረኸበ ውፅኢት ኣመልኪቶም ከምዝበሉዎ÷ ዝተረኸበ ውፅኢት ዘዕግብ ክኸውን ዝኸኣለ ሓይሊ ፀፅታን ሲቪል ምምሕዳርን ተዋዲዶም ብምስረሖም ኢዩ።

“ሰራዊትና ዝገበሮም ምስ ሓይሊታት ፀፅታ ክልል ኣምሓራ ብምውዳድ ዝገበሮም ወፍሪታት ህዝቢ ናብ ልምዓት ስራሕቱ ንኸኣቱ ኣኽኢሉ ኢዩ” ብምባል÷ ትካላት ኣገልግሎት ስራሕ ከምዝጀመሩ፣ ኣገልግሎት ትራንስፖርትን ዝርገሐ ዘበናዊ ዱኽዒ (መዳበሪያ)ን ብዘይ ዕንቅፋት ከምዝተሳለጠ ገሊፆም።

ህዝቢ ምስቲ ኮማንድፖስት ብምትሕብባር ንምርግጋፅ ናይ ባዕሉ ሰላም ከምዝሰርሐ ብምሕባር፤ ኣብ ቀፃሊ እቲ ፅንፈኛ ንምድምሳስ ኣብ ዝግበር ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ብምስላፍ ብፅሒቱ ከምዝዋፃእ ምግላፆም ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.