Fana: At a Speed of Life!

ሰራሕተኛታት ሚኒስቴር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ተፀዋዕቲ ትካላትን ናይ ሓደ ወርሒ መሃየኦም ንሰራዊት ምክልኻል ንመሃብ ቃል ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራሕተኛታትን ኣመራርሓታትን ሚኒሰስቴር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ተፀዋዕቲ ትካላትን ናይ ሓደ ወርሒ መሃየኦም ንሰራዊት ምክልኻል ንመሃብ ቃል ኣቲዮም።

ሰራሕተኛታትን ኣመራርሓታትን ሚኒሰስቴር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን፣ ኮሚሽን ልምዓት መስኖን ኮሚሽን ልምዓት ማይን ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይ ኣድሂቦም ሎሚ መዓልቲ ተዛቲዮም፡፡

ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶ/ር ኢ/ር ስለሺ በቀለ፥ ኣብ ዓውደ ኲናት ተሰሊፎም ደሞም እናፍሰሱ ንዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ምሕጋዝ ብንኡሱ ሓላፍነት ምውፃእ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

3 ሺሕ ዘበናት ዘቑፀረ ታሪኽ ዘለዋ ሃገር ንምፍራስ ዝግበር ሽርሒ፥ ወለዶ ተፃዊሩ ሃገር ከሳግር ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም፡፡

ንአትዮጵያ ካብ መስመር ምዕባለን ናይ ምልዋጥን ተስፋ፣ ካብ ልምዓትን ምዕባለን ንምውፃእ ዝደልዩ ኣካላት ኩሎም ተፃዊርካ ምስጋር ካብ ታሪኽ ተሓታትነትን ወቐሳን ከምዘድሕን እውን ኣብሪሆም፡፡

ኣመራርሓታትን ሰራሕተኛታትን እቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮን ተፀዋዕቲ ትካላትን ካብ ዝገብሩዎ ናይ ሓደ ወርሒ መሃያ ሓገዝ ብተወሳኺ፥ ደም ንምልጋስን ንዝተመዛበሉ ወገናት ናውቲ ንምትእኽኻብን ኣብ ስምምዕነት ምብፀሖም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ናብ ዓውደ ኲናት ዘሚቶም ንምውጋእን ንሃገሮም መስዋእትነት ንምኽፋልን ድሉዋት ከምዝኾኑ እውን እቶም ሰራሕተኛታት ተዛሪቦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.