Fana: At a Speed of Life!

ሰሜን ኮሪያ ዕዉት ፈተነ ባለስቲክ ሚሳኤል ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰሜን ኮሪያ ማእኸላይ መጠን ዘለዎ ዕዉት ፈተነ ባለስቲክ ሚሳኤል ምግባራ መራኸቢ ሓፋሽ እታ ሃገር ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ፈተነ÷ ምንቅስቓስ ክፍሊ ኣካል ዓረር እቲ ባላስቲክ ሚሳኤል ንምምልካትን ብቕዓት ተንቀሳቐስቲ ሞተራ ንምርግጋፅን ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ፒዮንግያንግ እቲ ፈተነ ሚሳኤል ድሕንነት ጎረባብቲ ሃገራትን ዘይነኽአን ምስ እዋናዊ ኩነታ እቲ ዞባ ርክብ ከምዘይብሉን ገሊፃ፡፡

ወታደራዊ ሓይሊታት ጃፓንን ደቡብ ኮሪያን እቲ ባላስቲካ ሚሳኤሉ ካብ ኢኮኖሚ ቀጠና ጃፓን ወፃእ ከምዝዓረፈ ኣረጋጊፆም፡፡

እቲ ሚሳኤል ሰሜን ኮሪያ ኣብ 2024 ንፈለማ እዋን ዘወንጨፈቶ ኣህጉር ዘቋርፅ ባላስቲክ ሚሳኤል እንትኸውን÷ ኣብ ዝሓፈ ዓመት ንመወዳእታ ግዘ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 18 ታሕሳስ 2023 ሃውሶንግ -18 ዝተባህለ ባላስቲክ ሜሳኤል ምውንጫፋ ስፑቲንክ ኢንተርናሽናል ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.