Fana: At a Speed of Life!

ሰሜን ኮሪያ ብዙሕ ቁፅሪ ዘለዎ ባለስቲክ ሚሳኤል ኣወንጪፋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰሜን ኮሪያ ብዙሕ ቁፅሪ ዘለዎ ናይ ሓፂር ርሕቐት ባለስቲክ ሚሳኤል ኣወንጪፋ ታቢሂሉ።

ኣዘዝቲ ጥሙር ጦር ደቡብ ኮሪያ ከምዘሓበሩዎ÷ ሰሜን ኮሪያ ብዙሕ ቁፅሪ ዘለዎም ባለስቲክ ሚሳኤላት ሎሚ ንጉሆ ናብ ምብራቓዊ ባሕሪ ተኲሳ።

ብዙሕ ናይ ሓፂር ርሕቐት ባለስቲክ ሚሳኤል ካብ ፒዮንግያንግ ተወንጪፎም ኣብ 360 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ኣብ ዝርከብ ምብራቓዊ ባሕሪ ከምዝዓረፉ ደቡብ ኮሪያ ኣረጋጊፃ፡፡

እቶም ሚሳኤላት ዝዓረፉሉ ደሴት ምብራቓዊ ባሕሪ ኣብ ዝኾነ ግዝኣት ሰሜን ሃምግዮንግ ነበርቲ ዘይርከቡሉ እንትኸውን÷ ሰሜን ኮሪያ ናይ ሓፂር ርሕቐት ተወንጨፍቲ ሚሳኤላት ንምፍታን ብተደጋጋሚ ትጥቀመሉ ቦታ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ ፈተነ ናብ ደቡባዊ ኣንፈት እንተዝግበር ከም ሴኡልን ዳኤጄኦን ዝበላ ዋናዋና ከተማታት ደቡብ ኮሪያ ክወቅዕ ከምዝኽእል ተሓቢሩ።

እዚ ተግባር ሰሜን ኮሪያ ነገር ፅሕተራን ሰላምን ምርግጋእን ልሳነ ምድሪ ኮሪያ ናብ ሓደጋ ዘእቱ ከምዝኾነ ኣዘዝቲ ጥምር ጦር ደቡብ ኮሪያ ምግላፁ ኬቢኤስ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.