Fana: At a Speed of Life!

ሰማእታት 24 ጥቅምቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ተሓሲቡ ውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝተሰዉኡ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ዕዚ ሰሜን ኣብ ደቡብ ሱዳን ቀፅሪ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ሱዳን ተሓሲቡ ውዒሉ።

እቲ ዝኽሪ ሰማእታት “ክብሪ ንኢትዮጵያ ክብሉ ንዝተሰውኡ ጀጋኑ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዝተረኸቡ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ሱዳን ነቢል ማህዲ፥ ልዕሊ 20 ዓመት ካብ ገዝኡን ስድርኡን ተፈሊዩ ፀላኢ እንትመፅእ እናመከተ፣ ኣዝመራ እንትበፅሕ እናዓፀደ፣ ኣቢያተ ትምህርቲን ትካላት ጥዕናን ብናይ ባዕሉ ወፃኢ እናሃነፀ ንዝነበረ ሰራዊት ሰብኣዊ ብዘይኮነ መልክዑ ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝተውሃቦም ምላሽ ብታሪኽ ዘይርሳዕ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ዝተኸፈለ መስዋእትነት ንሉኣላዊነት ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቲ ጁንታ ብተለኣኣኺነት ዝወሰዶ ሃገር ናይምፍራስ ዛዕባ ንምምካት ኣብዚ ወሳኒ እዋን ሓድነት ብምሕላው፣ ዝተኣተወ ቃል ብምሕዳስ፣ ኩሉ ብፅቱ ክዋፃእ ይግባእ ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም፡፡

ኣብቲ መርሃ-ግብሪ፥ ሰራሕተኛታት እቲ ኤምባሲ፣ ሚሊቴሪ ኣታሼን ዕዱማት ኣጋይሽን ከምዝተረኸቡ ጁባ ካብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.