Fana: At a Speed of Life!

ሰልጠንቲ ማእኸል መሰልጠኒ ፖሊስ ቦንጋ ጋምቤላ ፀገም ጥዕና ኣጋጢሙዎም ከምዝነበረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ለካቲት 1፣2014 (ኤፍ ቢሲ) ኣብ ክልል ጋምቤላ ኣስታት 130 ፍሉይ ሓይሊ ሰልጠንቲ ማእኸል መሰልጠኒ ፖሊስ ቦንጋ ፀገም ጥዕና ኣጋጢሙዎም ከምዝነበረ ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ገሊፁ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ኣቡላ ኡቦንግ፥ እቶም ሰልጠንቲ ዘጋጠሞም ፀገም ጥዕና መበገሲኡ አንታይ ከምዝኾነ ይፃረ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

እቶም ሰልጠንቲ ካብ ዝተመገብሉ ምግብና ከይወፅኡ እንተለዉ “ናሙና” ተወሲዱ ንምርመራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተልኣኸን ውፅኢቱ ይፅበዩ ከምዘለዉን ገሊፆም።

ስለዝኾነ ሕብረተሰብ ካብ ዘየድሊዩ ቤላቤሎታት ንባዕሉ ንከግልልን እቲ ውፅኢት ክሳብ ዝመፅእ ብትዕግስቲ ክፅበን ከምዘለዎ እቶም ኮሚሽነር ሓቲቶም።

እቶም ሰልጠንቲ ትማሊ ሰዓት 1:30 ናብ ሆስፒታል ብምኻድ ግቡእ ሕክምና ይግበረሎም ከምዘሎ ኣፍሊጠጦም ክብል ኣብ ፕሬስ ሴክሬታሪያት እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.