Fana: At a Speed of Life!

“ሰላም ዋሕስ ህንፀት ሃገር ስለዝኾነ ሰላም ንምስባኽ ስለዝመፃኹም ነመስግን” -ሚኒስተር ዴኤታ ሰላም ከረዲን ተዘራ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2016 ዓ.ም(ኤፍ ቢ ሲ)ሰላም ዋሕስ ህንፀት ሃገር ስለዝኾነ ሰላም ንምስባኽ ስለዝመፃኹም ነመስግን” ክብሉ ሚኒስተር ዴኤታ ሰላም ከረዲን ተዘራ(ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ሚኒስቴር እዚ ዝበሉ ኣብ ሆቴል ፕላኔት እናተሳለጠ ኣብ ዘሎ ዋዕላ ሰላም እዩ።

ሰላም ኣብ ዘይብሉ ልምዓት ኣይሕሰብን፣ ሰላም ዋሕስ ህንፀት ሃገር እዩ ዝበሉ ከረዲን ተዘራ (ዶ/ር)፤ ሰላም ንስባኽ ኣብዚ ስለዝተረኸብኩም ነመስግን ኢሎም።

መሰረታዊ ሕቶታት ህዝቢ ብምግንዛብ ንምፍታሕ ከምኡውን ህብረ ብሄራዊ ሕውነት ንምጥናኻር ዝሕግዝ መድረኽ ኢዩ ዝበሉ ድማ ኣፍቲ ዋዕላ ተሳታፊ ዝኾኑ ኣሰፋ ፍስሃ (ፕ/ር) እዮም።

ወሲኾም እቶም ፕሮፌሰር ከምዝገለፅዎ፤ ካብ ህዝቢ ትግራይ ጀሚሩ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘሎ ህዝቢ ንሰላም ቀርኒ ኣፍሪካ ክቃለስ ከምዘለዎ ሓቢሮም፡፡

ክሳብ ሐዚ ኣብ ሃገርና ዝተመዝገቡ ዓወታት ተጠናኺሮም ንክቕፅሉ፤ ካብ ድሑር ፖለቲካዊ ኣረዳድኣ ንኽንርሕቕ ዝሕግዝ መድረኽ ከምዝኾነ ኣሰፋ ፍስሃ (ፕ/ር) ገሊፆም።

እቲ ዋዕላ ሰላም ሎሚ መዓልቲ ዝተጀመረ እንትኾን ንተኸታተልቲ ክልተ መዓልቲ ምክያዱ ክቕፅል እዩ፡፡

ብሲሳይ ሓዱሽ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.