ሰላም ንምዕባለ ጥራሕ ዘይኮነስ ከም ሃገር ንምቕፃል ወሳኒ ኢዩ ተባሂሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰላም ንምዕባለ ጥራሕ ዘይኮነስ ከም ሃገር ንምቕፃል ወሳኒ ብምዃኑ ኣፈላላያት ምፅባብ፣ ምክእኣል፣ ምክብባርን ምትሕብባርን ከምዘድሊ ሚኒስቴር ሰላም ኣፍሊጡ።
“ካብ ዒድ ክሳብ ዒድ” ፃውዒት ብምቅባል ዝመፅኡ ዲያስፖራታት፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ምሁራንን ተወከልቲ ዝምልከቶም ትካላትን ዝተረኸብሉ መድረኽ ዘተ ሎሚ ተሳሊጡ።
ሚኒስትር ዴኤታ ኣይተ ታዬ ደንደአ፥ እቲ ዳያስፖራ ኣብ ዝነብረሎም ሃገራት ዘኻዕበቶም ተመክሮታት ምክእኣል ሃይማኖት ብምክፋል ዘለዎም ግደ ኢትዮጵያ ካብ ዘላቶ ጭቡጥ ኩነታት ልዑል ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ዳያስፖራ ዘለውዎ ተመክሮታት ምክብባር ሃይማኖት ከምዘካፍል እውን ዘለዎም እምነት ገሊፆም።
ብተወሳኺ ኩሉ ግዘ ምስ ሃገሩ ዘለዎ ምትእስሳር ንምጥንኻር ዝሰርሖም ስራሕቲ ዝተባብዑ ከምዝኾኑ ሓቢሮም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።