Fana: At a Speed of Life!

ሰላም ንምህዋኽ ዝንቀሳቐሱ ሓይሊታት ከምዘይዕገስ ክልል ሶማሌ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብቲ ክልል ሰላም ንምህዋኽ ዝንቀሳቐሱ ሓይሊታት ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝወስድ ክልል ሶማሌ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ክልል ሶማሌ ምስ ደላዪ ሰላም ህዝቢ ብምዃን ሰላም እቲ ክልል ንምህዋኽ ዝንቀሳቐሱ ሓይሊታት ከምዘይዕገስን ኣድላዪ ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝወስድ ምሕባሩ ትካል መራኸብቲ ሓፋሽ እቲ ክልል ፀብፂቡ።

ብዝተፈላለዩ ማሕራዊ ሚዲያታት ኣብቲ ክልል ናዕቢ፣ ዘይምርግጋእን መንግስታዊ ናይ ሓላፍነት ቦታታት ብሓይሊ ንመሓዝ ዝተገበረ ፈተነ ከምዘሎ ተገይሩ ዝጋዋሕ ሓበሬታ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ከምዝኾነ እውን መንግስቲ እቲ ክልል ኣገንዚቡ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን መላእ ክልል ሶማሌ ከም ወትሩ ኣብ ሰላምን ምርግጋእን ምንቅስቓስ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ፡፡

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ሓደሓደ ቦታታት ፀረ ለውጢ ዝኾኑን ብግዕዝይና ከምኡ እውን ኣብ ወፃኢ ሃገራት ካብ ዝርከቡ ለውጢ ዘተዓናቕፉን ኣካላት ብምትሕብባር ብሕቡእ ርክብ እናገበሩ ምዃኖም ካብ ውዳበ መንግስቲ ዝወፅኡ ሓይሊታት ሰላም ንምህዋኽ ዝገበሩዎ ፈተነ ምስ ደላዪ ሰላም ህዝቢ ብምትሕብባር ከምዝፈሸ ኣፍሊጡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.