Fana: At a Speed of Life!

ሰላምን ፀፅታን ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ዝፈታተኑ ጉዳያት ዘየዳግም ሕጋዊ ስጉምቲ ምውሳድ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰላምን ፀፅታን ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ዝፈታተኑ ጉዳያት ዘየዳግም ሕጋዊ ስጉምቲ ምውሳድ ከምዝጀመረ ናይ ሓባር ግብረ ሓይሊ ድሕንነትን ፀጥታን እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

ሰላምን ፀፅታን ኣዲስ ኣበባ ምሕላው ብዝምልከት እቲ ግብረ ሓይሊ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ኣብ ልዕሊ ደገፍቲን ናፈቕቲን ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝውሰድ ዘሎ ሕጋዊ ስጉምቲ ኣጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ገሊፁ። ድጋፍ ህዝቢ እውን ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ ኢሉ።

ሰላምን ፀፅታን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ዝፈታተኑ ጉዳያት ዘየዳግም ሕጋዊ ስጉምቲ ምውሳድ ከምዝጀመረ እውን ኣፍሊጡ።

እቲ ግብረ ሓይሊ ብጥምረት ብምስራሕ ሰላምን ድሕንነትን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምሕላው ከምዝተኽኣለ ብምግላፅ፥ እቲ ዝተጣየሸ ግብረ ሓይሊ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ህወሓት እዛ ሃገር ናብ ጎንፅን ትርምስን ብምእታው ኢትዮጵያ ንምፍራስ ዝተነጎ ሽርሒ ንምፍሻል ፍሉይ ትኹረት ሂቡ ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ቀንዲን ሓደገኛን ስግኣት ሰላም ኢትዮጵያ ዝኾነ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ህዝቢ ንምርዓድን ንምድንጋርን ሐዚ እወን ዝተዛብዑ ስኑዓት ሓበሬታታት ይውዝዕ ኣሎ ኢሉ።

እቲ ጉጅለ ራዕዲ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ካብ ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ብተወሳኺ ሃገር ንምፍራስ ዘለዎ ዕላማ ኣጠናኺሩ ብምቕፃል እዛ ሃገር ናይ ምጥፍፋእ ዓውዲ ንምግባር እቲ መረብ ዘንጊዑ እንተተንቀሳቐሰ እውን ብምትሕብባር ህዝብን ሓይሊ ፀፅታን ዕላምኡ ይፈሽል ኣሎ ኢሉ።

እቲ ጉጅለ ን27 ዓመታት እንትገብሮ ዝነበረ ሎሚ እውን ኣብ መንጎ ህዝብና ዝተፈላለዩ ፅልኣታትን ዝፈላልዩ ወረታትን ብምንፋስ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ንክለዓል ዝተፈላለዩ ሽርሒታት ተኒጉ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ገሊፁ።

እቲ ሓይሊ ጥፍኣት ብተደጋጋሚ ብዘተሓላለፎን ደገፍቲ ብዘናፈስዎን ዝተዛብዐ ሓበሬታ ኣብ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ብዙሓት ካብ መረበቶም ኣፈናቑን ንፁሃን ቀቲሉን ኢዩ ኢሉ።

እቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ሙሉእ ብሙሉእ ንምድምሳስ መንግስቲ እናወሰዶ ዝርከብ ሕጋዊ ስጉምቲ ውፅኢታዊ ንኽኸውን ንቑሕ ተሳትፎ ህዝቢ ስለዝኾነ፥ መንበሪ ገዛ ተኻርዮም ብሓባር ዝንቀሳቐሱ፣ ሕቡእ ስፍራ ብምምራፅ ርክብ ዝገብሩ ደገፍቲ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲን ናፈቕቲን ምህላዎም ሕብረተሰብ ተገንዚቡ መንበሪ ኣባይቲ፣ ቤት ንግዲ፣ መኻዚናትን ተሸከርከርቲ ዘካረኹም ውልቀሰባትን ትካላትን መንነት ተኻረይቲ ብጥንቃቐ ብምፅይ እቲ ሓበሬታ ብህፁፅ ንፖሊስ ክተፍልጡ እቲ ግብረ ሓይሊ የተሓሳስብ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ግብረ ሓይሊ እቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለን ደገፍቱን ሕብረተሰብ ንምድንጋርን ልኡኽቶ ጥፍኣቶም ጋህዲ ንምግባር ዝሕግዙዎም ልብሲ ደምቢ ኣካላት ፀፅታ ብምኽዳን ንምንቅስቓስ ትልሚ ከምዘለዎም ከምዝፈለጠ ብምግላፅ፤ ነዚ መሰል ዘጠራጥር ኩነታት እንተጋጥም ኣብ ከባቢኦም ናብ ዘሎ ትካል ፀፅታን ድሕንነትን ብህፁፅ ንኸፍልጡ ሓቲቱ።

ሰላምን ድሕንነትን ኣዲስ ኣበባ ንምሕላው ኣብ ልዕሊ ደገፍቲን ናፈቕቲን እቲ ግብረ ራዕዲ ዝውሰድ ሕጋዊ ስጉምቲ ኣጠናኺ ከምዝቕፅል እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ እናፍለጠ፤ ናይ ሕሶት ሓበሬታ ዘመሓላልፉን ዘጋውሑን ኣካላት ካብ ዘይሕጋዊ ተግባሮም ንኽዕቀቡ ጥብቂ መልእኽቱ የመሓላልፍ፡፡

ንሰላምን ድሕንነትን ከተማና እናተግሀ ዝርከብ ኣካል ፀፅታና ኣብ ልዕሊ ደገፍቲን ናፈቕቲን ግብረ ራዕዲ ህወሓት ሕጋዊ ስጉምቲ እናወሰደ ከምዝኾነ ህዝቢ ተገንዚቡ በቢከባቢኡ ብምውዳብን ብምቅንጃውን ንኣካላት ፀፅታ እናሃቦ ዝርከብ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡

ሕብረተሰብ ዘጠራጥር ኩነታት እንተጋጥሞ ወይ እውን ኣገልግሎት ፖሊስ ንምርካብ እንትደሊ ብ011-1-11-01-11 ወይ እውን ብናፃ መስመር ስልኪ 991፣ 997 ምጥቃም ከምዝከኣል እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ኣፍሊጡ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.