Fana: At a Speed of Life!

ሰላምን ድሕንነትን ኣብ ምሕላዉ ግደ ህዝቢ መተካእታ ከምዘይብሉ ምምሕዳር ዞባ ምዕራብ ትግራይ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰላምን ድሕንነትን ኣብ ምሕላዉ ግደ ህዝቢ መተካእታ ከምዘይብሉ ኣማሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣይተ ርስቁ ኣለማው ገሊፆም።

ኣይተ ርስቁ ነዚ ዝበሉ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ፣ ከተማ ዓዲ ሕርዲ ምስ ዓበይቲ ዓዲ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ካልኦት ክፋል ሕብረተሰብን ኣብ ዝተገበረ ዘተ ኢዩ።

እቲ መድረኽ ዘተ ኣብ ጉዳይ ሰላምን ሰናይ ምምሕዳርን ኣመልኪቱ ዝተኻየደ ኢዩ ተባሂሉ።

ስላም ህዝቢ ንምዝራግ በቢእዋኑ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምቕራፅ ዝንቀሳቐሱ ሓይሊታት ከምዘለዉ ዝሓበሩ ኣይተ ርስቁ፥ “ብፍላይ ንሃለዋትና ፈተና ክኾነና ዝኽእል ኩለ መዳይ ምንቅስቓስ ህዝብና ሓደግኡ ተረዲኡ ብትረት ከቃለሶ ይግባእ” ኢሎም ክብል ቤት ፅሕፈት ገጉዳያት ኮሚኒኬሽን መነግስቲ እቲ ዞባ ገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.