Fana: At a Speed of Life!

ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ንምርግጋፅ ኣብ ኩሉ ከባቢ ስራሕቲ ሓለዋ ፀፅታ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ-ክልል ኦሮሚያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዚያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ንምርግጋፅ ኣብ ኩሉ ከባቢ ስራሕቲ ሓለዋ ፀፅታ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ክብል ክልል ኦሮሚያ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ቢሮ ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ኣይተ ሃይሉ ኣዱኛ፥ መነግስቲ እቲ ክልል ካብ 30 መጋቢት ክሳብ 1 ሚያዚያ 2014 ዓ.ም ዘካየዶ ገምጋም ኣፈፃፅማ መደባት ሳልሳይ ርባዕ ዓመት ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም።

እቶም ሓላፊ፥ ብትልሚ ምምራሕ፣ ኣጠቓቕማ በጀት እናተመሓየሸ ምምፃእ፣ ኣብ ኣፈፃፅማ ዝረኣዩ ክፍተታት ምእራም ምኽኣል ወዘተ ዘተባብዕ ምንቅስቓስ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ብኻሊእ መዳይ ድማ ኣብ ቀበሌን ካብኡ ንታሕቲን ጠንካራ መሓዉር መንግስቲ ምህናፅ ዘይምኽኣል፣ ፀገማት ፀፅታ ብስራሕቲ ፖለቲካ ንምፍታሕ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ዘተባብዕ እንተኾነ እውን ኣብ ኩሉ ከባቢ ብተመሳሳሊ ኩነታት ዘይምትግባር ብድኹም ጎኒ ከምዝተገምገመ ተዛሪቦም።

ብይስማው ኣደራው

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.