Fana: At a Speed of Life!

ሰላምን ልምዓትን ትግራይ ንምጥንኻር ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ልዕልነት ሕግን ምርግጋግፅ ይግባእ – ኢንጅነር ኣርኣያ ግርማይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ሰላምን ልምዓትን ንምጥንኻር ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ልዕልነት ሕግን ምርግጋግፅ ከም ዝግባእ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኢንጅነር ኣርኣያ ግርማይ ኣተሓሳሲቦም።

መበል 14 ዓመት በዓል መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ “ሕገ መንግስታዊ ቃል ኪዳንና ንዘላቒ ሰላምናን ረብሓናን” ብዝብል መሪሕ ቃል ብብርኪ ክልል ትማሊ ኣብ ስታድየም ባሎኒ፣ መቐለ ተኸቢሩ።

ኢንጅነር ኣርኣያ ኣብቲ በዓል ተረኺቦም ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ እቲ ንመበል 14 ጊዜ እናተኸበረ ዝርከብ መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ተጠቃምነት ሕብረተሰብ ናብ ዝሐሸ ብርኪ ዘሰጋግር ምዃኑ ገሊፆም።

ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ሰላምን ልምዓትን ንምቕፃል ሓድነት ህዝቢ ብምጥንኻርን ኣብ ድሕንነት ህዝቢ ትግራይ ትኩረት ብምግባርን ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ልዕልነት ሕግን ምርግጋግፅ ከም ዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዘመናት ዝፀንሐ ብሄራዊ ወፅዓ ካብ ስሩ ንምጥፋእ ማዕርነት ህዝብታት ንክረጋገፅ ብሄር፣ ብሄረሰባት ብቛንቛኦም ክመሃሩን ክዳነዩን ብባህሎምን ብእምነቶምን ክኮርዑን ከማዕብሉን ህዝብታት ባዕሎም ንባዕሎም ከመሓድሩን ልምዓትን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ንዘመናት ዝፀንሐ ሕቶታት ቃልስን ብሄር ብሄረሰባት ህዝብታትን ኢትዮጵያ ምንባሩ ሓቢሮም።

እቲ ወፅዓ ድማ ፥ “ብሓበራዊ ቅልፅም ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ መሪር መስዋእቲ ብምኽፋል ኩለ መዳያዊ ማዕርነት ብሄር፣ ብሄረሰባት ህዝብታትን ኢትዮጵያ ብምርግጋፅ ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ደጋጊምና እንኮርዐሉ ዓወታት ተመዝጊቦም እዮም” ኢሎም።

ይኹም እምበር፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን እቶም ብቃልሲ ህዝቢ ትግራይን መላእ ብሄር፡ ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ዝተስዓሩ ማዕርነት ህዝቢ ዘይቕበሉ ኣሃዳውያን ሓይልታት ዳግም ክጥጥዑ ክኢሎም ኢዮም ኢሎም።

እቶም ከንቲባ፥ ሕገ መንግስትን ሕብረ ብሄራዊ ስርዓት ፌድራሊዝምን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ስለዘሎ ቃልሲ ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.