Fana: At a Speed of Life!

ሰላሌ ዩኒቨርሲቲ ብዝተፈላለዩ ሙያታት ትምህርቲ ዘሰልጠኖም 1 ሺሕን 54 ተምሃሮ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ ፣  22 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰላሌ ዩኒቨርሲቲ ብዝተፈላለዩ ሙያታት ትምህርቲ ዘሰልጠኖም 1 ሺሕን 54 ተምሃሮ ኣመሪቑ።

እቲ ዩንቨርስቲ ንመበል ሳልሳይ ጊዘ ኢዩ ኣመሪቑ።

ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ዶክተር ገናነው ጎፌ ሰላሌ፥ እቲ ዩንቨርስቲ ንፅርየት ትኹረት ብምግባር ብቕዓትን ከእለትን ዘለዎም ተምሃሮ የመርቕ ኣሎ ኢሎም።

እቲ ዩንቨርስቲ ትምሀርቲ ዝህበሎም ፕሮግራማት 34 ከምዘብፀሐ አውን ገሊፆም።

ሚኒስትር ዲኤታ ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ዶክተር ሳሙኤል ክፍሌ ብግደኦም፥ መንግስቲ ንዐላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ትኹረት ብምሃብ ይሰርሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ተመረቕቲ ተምሃሮ ሃገሮም ካብ ፀገም ተላቒቓ ኣብ ጎደና መዕባለ ነክትጓዓዝ ብምግባር ዝቐሰምዎ ትምህርቲን ልምዲን ናብ ተግባር ክቕይሩ የግባእ እውን ኡሎም ክብል ኢቢሲ ፀብፂቡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.