Fana: At a Speed of Life!

 ሰለስቲኣዊ ዘተ ግድብ ህዳሰ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዋሽንግተን ክሳለጥ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ኣብ ሰለስቲኣዊ ዘተ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንምስታፍ ናብ ዋሽንግተን ኣምሪሖም።

እቲ ሎሚ መዓልቲ ሚኒስትራት ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ኣብ ኣሜሪካ ዘሳልጥዎ መድረኽ ዘተ፥ እተን ሃገራት ቅድመ ሐዚ ብመሰረት ዝገበርኡ ስምምዕ ኢዩ።

እተን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ ዙራት ናይ ዝገበርኡ ድርድር ውፅኢት ኣብቲ መድረኽ ክርእዩ ኢዮም።

ተወከልቲ መነግስቲ ኣሜሪካን ባንኪ ዓለምን ብተዓዛቢነት ከምዝሳተፉ እውን ተገሊፁ።

ወርሒ ታሕሳስ መወዳእታ ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣድሂቡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሳለጠ ሰለስቲኣዊ መድረኽ ዘተ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ብዘይስምምዕ ምዝዛሙ ይዝከር።

እቲ ዘተ ሚኒስትራት ማይ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ዝተረኸቡሉ ዝተሳለጠ እንትኸውን፥ እቲ ቴክኒካዊ ኣኼባ ኣብ ዙርያ ኣመላልኣን ኣሳድዳን ማይ እቲ ግድብ ብምድሃብ ዝተሳለጠ ኢዩ ነይሩ።

ይኹን እምበር ኣብ ኣመላልኣ ማይ ኣድሂባ ግብፂ ሒዛቶ ዝቐረበት ሓዱሽ ሓሳብ፥ እቲ ግድብ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ ዓመት ክመልእ ዝብል ዝነበረ ስምምዕ ብቅዋም “ካብ 12 ክሳብ 21 ዓመት ኣብ ዘሎ እዋን ክመልእ ኣለዎ” ዝብል ሓዱሽ ሓሳብ ሒዛ ብምቕራባ ኢዩ እቲ ድርድር ብዘይስምምዕ ተዛዚሙ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.