Fana: At a Speed of Life!

ሰለስተ ማእኸላት ዕዳጋ ኣዲስ ኣበባ ብሙሉእ ዓቕመን ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጀመራ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ሰለስተ ማእኸላት ዕዳጋ ኣዲስ ኣበባ ብሙሉእ ዓቕመን ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጀመራ ቢሮ ንግዲ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ።

እተን ማእኸላት ዕዳጋ፥ መሸጢ ፍሪያታት ግብርና ኮልፌን ኩራን፣ መሸጢ ፍሪያት እኽሊ ኣቃቂ ቃሊቲ ከምዝኾና ተሓቢሩ።

ዳይሬክተር ኮሙኒኬሽን ቢሮ ነግዲ ኣዲስ ኣበባ ሰውነት ኣየለ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልዎ፥ 57 ኣፍረይቲን ኣቕረብቲን ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ እተን ማእከላት ፍሪያት የቕርባ ኣላዋ ኢየን።

ብጨረታ ተፈሊዮም ናብተን ማእኸላት ዕዳጋ ነክኣትዉ ዝተገበሩ ናይ ባዕሎም መሬት ሃሊዩዎም ሙሉእ ዓመት ምፍራይን ምቕራብን ዝኽእሉ ኣፍረይቲ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ 147 ነጋዶ ችርቻሮ ፍሪያቶም የቕርቡ ዘለዉ አንትኾኑ፥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ 11 ማሕበራት ፍሪያታት ንከቕርቡ ስምምዕነት ከምዝተገበረ ሓቢሮም።

ብመሳፍንት እያዩ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.