Fana: At a Speed of Life!

ርክብ ኢትዮጵያን ጀርመንን ብዝበለፀ ንምዕባይ ዘኽእል ዘተ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ርክብ ኢትዮጵያን ጀርመንን ብዝበለፀ ንምዕባይ ዘኽእል ዘተ ተኻይዱ።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ሓሳቦም ዘካፈሉ ኣብ ቤት ዕዮ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ጀርመን ዋና ዳይሬክተር ፖለቲካዊ ጉዳያትን ፍሉይ ልኡኽ ሊቢያን ምስ ዝኾኑ ክርስቲያን ባክ (ዶ/ር) ኣብ ዝተዛተዩሉ እዋን ኢዩ፡፡

ኣምባሳደር ምስጋኑ ÷ ኢትዮጵያን ጀርመንን ብሓገዝ ልምዓት፣ ቴክኒካዊ ምትሕብባር ከምኡ እውን ኣብ ዓውዲታት ንግዲን ኢንቨስትመንት ጥንኩር ርክብ ከምዘለወን ኣዘኻኺሮም፡፡

ብዛዕባ ከይዲ ኣፈፃፅማ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ኢሉ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ብሄራዊ ምርድዳእ ንምብፃሕን ስግግር ፍትሒ ጋህዲ ንምግባርን እናተገበረ ብዛዕባ ዘሎ ምድላው ገለፃ ከምዝገበሩ እውን ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ክልቲኦም ወገናት ኣብ ሓበራዊ ረብሐኦም ዝተመስረተ ዞባዊን ዓለም ለኻዊን ጉዳያት ሓሳብ ከምዝተለዋወጡ እውን ተሓቢሩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.