Fana: At a Speed of Life!

ርክብ ኢትዮጵያን ኩባን ብደም ዝተኣሳሰረ ኢዩ – ምክትል ፕሬዚዳንት ኩባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ እናገበሩ ዝርከቡ ምክትል ፕሬዚዳንት ኩባ ሳልቫዶር ኣንቶኒዮ ቫልዴዝ ሎሚ ኣብ ኣደባባይ ምሕዝነት ኢትዮ-ኩባ ሕቑፊ ዕምበባ ኣንቢሮም።

ሕቑፊ ዕምበባ ኣብ ዘቐመጡሉ እዋን ኣብ ዘስምዑዎ መደረ ድማ÷ ርክብ ኢትዮጵያን ኩባን ታሪኻዊን ብደም ዝተኣሳሰረን ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

እቲ ርክብ ብዕሊ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ በቢእዋኑ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት እናማዕበለ ከምዝመፅአ ኣብሪሆም፡፡

ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጃንጥራር ዓባይን ኣብ ኩባ ዝተምሃሩ ኢትዮጵያዊያንን ኣብቲ ስነ-ስርዓት ከምዝተረኸቡ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.