Fana: At a Speed of Life!

ርክብ ኢትዮጵያን ቻይናን ፅኑዕን ዘይኽበስን ኢዩ – ዶክተር ኣብረሃም በላይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ርክብ ኢትዮጵያን ቻይናን ፅኑዕን ዘይኽበስን ኢዩ ክብሉ ሚኒስተር ምክልኻል ፌዴሪኢ ዶክተር ኣብረሃም በላይ ገሊፆም።

ሚኒሰሰትር ምክልኻል ዶክተር አብርሃም በላይን ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያን ሚስተር ዣኦ ዢዩኣን ኣብ ከተማ ቢሾፉቱ እናተዛዘመ ዝርከብ ሪፈራል ሆስፒታል ምክልኻል ዘድልዮ ዘበናዊ ሕክምና ዘበናዊ መሰረተ ልማት ላብራቶሪ ሕክምና ንምህናፅ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሞም፡፡

ዶክተር ኣብርሃም ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ርክብ ኢትዮጵያን ቻይናን ጥኩርን ዘይስበርን ከምዝኾነን እቲ ስምምዕነት ደረጃ እቲ ሆስፒታል ክብ ዘብልን ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ዣኦ ዢዩኣን ብግደኦም÷ ክልተኣዊ ርክብ ኢትዮጵያን ቻይናን ካብ እዋን ናብ እዋን እናዓበየ ምምፅ ተዛሪቦም፡፡

ቻይና መሰረተ ልምዓት ዘበናዊ ላብራቶሪ ሕክምና ንምቕራብን ንምህናፅን ሓበራዊ ተረባሕነት ንምድንፋዕን ክትሰርሕ ኢያ ምባሎም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.