Fana: At a Speed of Life!

ርክብ ኢትዮጵያን ቻይናን ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ፀኒዑ ዝፀንሕ ኢዩ – ኣምባሳደር ተፈራ ደርበው

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ርክብ ኢትዮጵያን ቻይናን ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ፀኒዑ ዝፀንሕ ናብ ስትራቴጂያዊ ምሕዝነት ምስግጋሩ ኣብ ታሪኽ ክልተኣዊ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ከም ሓደ ብራኸ ዝረአ ከምዝኾነ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ተፈራ ደርበው ገሊፆም።

እቶም ኣምባሳደር ኣበ ርክብ ኢትዮ-ቻይና ጠሚቶም ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ÷ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ካብ ምንሕናሕ ብዝረሓቐ ኣብ ምሕዝነት ዝተመሰረተ ከምዝኾነ ኣልዒሎም።

እቲ ስትራቴጂያዊ ምሕዝነት ብኹሉ ዓውዲ (ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊ፣ ወታደራዊን ፀፅታን) ከምዝኾ ብምግላፅ፤ ርክብ እተን ሃገራት ልዑል ደረጃ ካብ ዝበሃሉ ዓየነታት ርክብ ቀፂሉ ዝርከብ ኢዩ ኢሎም፡፡

ኣብ ዓለም ኣርባዕተ ሃገራት ጥራሕ ምስ ቻይና ኣብ ከምዚ ዝበለ ብርኪ ርክብ ከምዝበፅሐ ብምሕባር፤ ኣብ ኣፍሪካ ድማ ኢትዮጵያ ጥራሕ በዚ ብርኪ ምስ ቻይና ርክብ ዝመሰረተት ሃገር ምዃና ኣልዒሎም፡፡

እዚ ድማ ንኢትዮጵያ ሰፊሕ ዕድል ምትሕበባር ኢኮኖሚ፣ ዓውዲ ምትሕብባር ወታደራዊን ፀፅታን፣ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ፣ ርክብ ትካላት ምስ ትካላት፣ ኩባንያታት ምስ ኩባንያታት፣ ሸቐጥ ምስ ሸቐጥን ልውውጥ ናውቲታት ሓሊፉ ኣብ ምቅረራብ ኣተሓሳስባ ዝመፅእ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

“ንክልቲአን ሃገራ ማዕረን ፍትሓዊን ርክብ ከምኡ እውን ኣብ ምክብባር ዝተመስረተ ርክብ ዓሚቕ ዕድል ሒዙ ክመፅእ ኢዩ ተባሂሉ ይሕሰብ” ኢሎም።

ምክትል መራሒ ሚሲዮን ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ኣምባሳደር ደዋኖ ከድር  ፎረም ኢንቨስትመንት ኢትዮ-ቻይና ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ ብግደኦም÷ ኣብ ከተማ ቤጂግን ሻንሃይን ዝተኻየደ ፎረም ዕላምኡ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምቹው ኣማራፂ ኢንቨስትመንት ምፍላጥ ከምዝኾነ ገሊፆም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.