ርክብ ኢትዮጵያን ቻይናን ኣብ ዘጠናኽሩ ኣማራፅታት ኢንቨስትመንት ዝጠመተ ዘተ ተሳሊጡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ርክብ ኢትዮጵያን ቻይናን ኣብ ዘጠናኽሩ ኣማራፅታት ኢንቨስትመንት ዝጠመተ ዘተ ተሳሊጡ።
ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል፥ ብምክትል ሚኒስትር ፋይናንስ ቻይና ሊያው ሚን ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ብምቕባል ኣዘራሪቦም።
ኣብ መንጎ ከልቲአን ሃገራት ዘሎ መትእስሳር ኢንቨስትመንት ብዝበለፀ ብምጥንኻር ዝሓሸ መዕባለ ኢኮኖሚ ንምምፃእ ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።
ኣይተ መላኩ፥ ”ኢንዱስትሪያላይዜሽን” ንምፃእ ካብ ምድላው ፖሊሲን ስትራቴጂን ጀሚሩ ካብ መንግስቲ ቻይና እወንታዊ ተመክሮ ወሲድና ኣለና ኢሎም።
ዘላቒን ቀፃልነት ዘለዎን ምዕባለ ንምምፃእ ዓውደ ውልቀ ንምድጋፍ መንግስቲ ጠመተ ሂቡ ይሰርሕ ከምዘሎ ምዝራቦም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።