Fana: At a Speed of Life!

ርክብ ኢትዮጵያን ስዊዘርላንድን ንምብራኽ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ስዊዘርላንድ ኢግናሲዮ ካሲስ ዘቲዮም።

ኣብ ዳቮስ ኣብ ዝተሳለጠ እቲ ዘተ፥ ክልቲኣዊ ርክብ እተን ሃገራት ምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ዝህሉ ምትሕብባር ዝጠመተ ከምዝነበረ ተገሊፁ።

ኣይተ ደመቀ፥ ኣብ ዓውዲ ፖለቲካን ኢኮኖሚን ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንምብራኽ ምቹው ኩነታት ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ትትግብሮ ብዛዕባ ዘላ ሃገር ቦቆም ምምሕያሽ ኢኮኖሚ እውን መብርሂ ሂቦም።

ንሰብ ሃፍቲ ወፂኢ ዕፁዋት ዝነበሩ ከም ቴሌኮም ዝበሉ ክፍለ ኢኮኖሚታት ክፍቲ ከምዝተገበረ እውን ኣብሪሆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.