Fana: At a Speed of Life!

ርክብ ንግዲ ኢትዮጵያን ጃፓንን ንምምሕያሽ ኣብ ዝሕግዙ መገዲታት ዘድሃበ ዘተ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒሰስትር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣይተ መላኩ ኣለበል ምስ ኣምባሳደር ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ኒቶ ታካኮ ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ንግዲን ዘፈር ምፍራይ ኢንቨስትመንትን ርክብ ኢትዮጵያን ጃፓንን ንምምሕያሽ ኣብ ዝሕግዙ መገዲታት ዘድሃበ ዘቲዮም፡፡

ኢትዮጵያ ጃፓንን ታሪኻዊ ዲፕሎማሲን ርክብ ንግዲን ዘለወን ሃገራት ከምዝኾና ኣይተ መላኩ ኣብቲ እዋን ዘተ ተዛሪቦም፡፡

ሰብ ሃፍቲ ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ምፍሳስ ዝኽእሉሎም ዕድላት ዝምልከት መብርሂ እውን ሂቦም፡፡

ኣምባሳደር ኢቶ ታካኮ ብግደአን፥ ናይ ክልቲአን ሃገራት ርክብ ንግዲ ንምጥንኻርን ንምድንፋዕን ከምዝሰርሓ ገሊፀን፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ሃገረን ኣብ ዘፈር ኢንቨስትመንት ንምውፋር፣ ኣብ ህንፀት ዓቕሚ፣ ስልጠናን ቴክኖሎጂን ሓገዝ ንምግባር ዘለዋ ድሌት ኣረጋጊፀን፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.