Fana: At a Speed of Life!

ርክብ ምትሕብባር ኢትዮጵያን ቻይናን ሰፊሕን ፅኑዕን መሰረት ዘለዎ ኢዩ – ኣምባሳደር ታዬ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ርክብ ምትሕብባር ኢትዮጵያን ቻይናን ሰፊሕን ፅኑዕን መሰረት ዘለዎ ኢዩ ክብሉ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም።
 
ኣምባሳደር ታዬ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተሳተፉሉን ኣብ ቻይና ዝካየድ ዘሎ ፎረም መትሕብባር ቻይና ኣፍሪካ ጠሚቶም መብርሂ ሂቦም።
 
ኣብቲ መብርሂ፥ ጎድኒ ንጎድኒ እቲ ፎረም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ፕሬዚዳንት ሺ ጂንፒንግን ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዘኽእሎም ዓውዲታት ምትሕብባር ምዝታዮም ገሊፆም።
 
ብመሰረት እዚ ቻይና ምስ ኢትዮጵያ ብሕውነትን ሂብካ ምቕባልን መትከል ዝተደረኸ ዘላቒ ርክብ ምትሕብባር ንክህልወን ናይ ኩሉ ግዘ ባህጋ ከመዝኾነ ምግላፃ ሓቢሮም።
 
ኢትዮጵያ ኣብ ሀንፀት ፓርክ ኢንዱስትሪ፣ ኮርፖሬሽንን ካልኦት ዓውዲታትን መስ ቻይና እትሰርሐሉ ኩነታት ሰፊሕ ከምዝኾነ ገሊፆም።
 
እዚ ኣጠናኺርካ ንምቕፃል ሰፊሕ ዘተ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።
 
ብኣመለወርቅ ደምሰው
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.