ርክብ መንግስቲ ምስ መንግስቲን ፓርቲ ምስ ፓርቲን ኢትዮጵያን ሩሲያን ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ – ኣይተ ኣደም ፋራህ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ርክብ መንግስቲ ምስ መንግስቲን ፓርቲ ምስ ፓርቲን ኢትዮጵያን ሩሲያን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።
ብኣይተ ኣደም ፋራህ ዝተመርሐ ልኡኽ ካብ 9 ክሳብ 12 ሰነ 2016 ዓ.ም ኣብ ዝካየድ ‘‘ዎርልድ ማጆሪቲ ፎር መልቲፖላር ኦርደር’’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ሩሲያ ቪላዲቮስቶክ ኣብ ዝተሰናደአ ዓለም ለኸ ፎረም ፓርቲታት ፖለቲካ ይሳተፍ ኣሎ።
ገፖድና ጎድኒ እቲ ፎረም ድማ ኣይተ ኣደም ፋራህ ምስ ምክትል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዩናይትድ ፓርቲ ሩሲያ ክሊኖቭ ኣንድሬ ተዛቲዮም።
ኣይተ ኣደም ኣብ ዘተኦም፤ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሩሲያን ዘሎ ጥንኩርን ታሪኻዊ ርክብን ዘልዐሉ እንትኾኑ፥ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ፀገማት እንተጋጥሙዋ ሩሲያ ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ብምዃን ንዘርአየቶ ሓገዝን ምሕዝነትን ምስጋና ኣቅሪቦም።
ኢትዮጵያ ኣባል ብሪክስ ምዃና ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ዓብዪ ምዕራፍ ከምዝኾነ ብምሕባር፥ ኢትዮጵያ ናብ ብሪክስ ንኽትፅምበር ኣብ ዝገበረቶ ፃዕሪ እውን ሩሲያ ንዝገበረቶ ሓገዝ ንፓርቲ ዩናይትድ ሩሲያን መንግስቱን ኣመስጊኖም።
ቅድም ክብል ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝነበሩ ምትሕብባራት መንግስቲ ምስ መንግስቲ ይኹን ፓርቲ ምስ ፓርቲ ብዝበለፀ ተጠናኺሮም ንኽቕፅሉ ከምዝግበር እውን ኣይተ ኣደም ተዛሪቦም።
ምስ ምክትል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዩናይትድ ፓርቲ ሩሲያ ክሊኖቭ ኣንድሬ ብግደኦም፥ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ፓርቲታት ዘሎ ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ድሌት ፓርቶም ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።