Fana: At a Speed of Life!

ርክብን ምትሕብባርን ኢትዮ-ጀርመን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተገሊፁ

 

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሰላምን ርክብ ወፃኢን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ጉጅለ ልኡኽ ፓርላማ ጀርመን ብምቕባል ኣዘራሪቡ።

ኣካቢ እቲ ኮሚቴ ዶክተር ዲማ ነገዎ፥ ክልቲአን ሃገራት ብዙሕ እዋን ዘቑፀረ ፅኑዕ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ዘለወን ሃገራት ከምዝኾና ገሊፆም።

ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ጎደና ለውጢ እንተኾነት እውን ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ብዝነበረ ኲናትን ኣብ ውሱናት ከባቢ ዘጋጠመ ድርቂን ኣብዛ ሃገር ብዙሓት ፈተንቲ ኩነታት ዘጋጠሙ አንተኾኑ እውን እቶም ፈተናታት ንምፍታሕ ልዑል ፃዕሪ ኣብ ምግባር ትርከብ ኢሎም።

መንግስቲ ብሰንኪ ኲናት ጉድኣት ንዝበፅሖ ሀዝቢ ትግራይ ብመሬትን ሰማይን ሰብኣዊ ደገፍ ኣብ ምብፃሕ ከምዝርከብ ነቶም ጉጅለ ልኡኽ ኣብሪሀሙሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ሃገር ለኸ ኮሚሽን ዘተ ብምጥያሽ ዝረኣዩ ኣፈላላያት ሓሳብ ኩሎም ኣካላት ብምስታፍ ብዘተ ንምፍታሕ ከምዝከኣል መንግስቲ ብትኹረት ይሰርሕ ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ኣባል እቲ ልኡኽ ሮድሪች ኪይስዌተር ብግደኦም፥ ከልቲአን ሃገራት ፅኑዕ ሕውነት ዘለወን ከምዝኾና ገሊፆም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.