Fana: At a Speed of Life!

ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት ኣምሓራ፣ ጋምቤላን ሲዳማን በዓል ጥምቀት ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ይልቃል ከፋለ፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላን ኡመድ ኡጁሉን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ደስታ ሊዳሞን በዓል ጥምቀት ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ይልቃል ከፋለ ኣብ መልእኽቶም÷ “በዓል ጥምቀት መግለፂ ሓድነትናን ሕብረትናን ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ሃፍቲ ህዝቢን ሃገርን ከምኡ እውን ሓድጊ ዓለም ኢዩ” ኢሎም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላን ኡመድ ኡጁሉ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ድማ እቲ በዓል ካብ ሃይማኖታዊ በዓልነቱ ሓሊፉ ሰናይ ምስሊ ሃገር ኣብ ምህናፅን ፍሰት ቱሪዝም ኣብ ምድንፋዕን ዕዙዝ ግደ ዘለዎ በዓል ከምዝኾነ ገሊፆም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ደስታ ሊዳሞ ብግደኦም÷ ህዝበ ክርስቲያን እቲ በዓል እንተኽብር ዝተፀገሙ ወገናትን ዓቕመ ደካማታትን ብምሕጋዝ ክኸውን ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.