Fana: At a Speed of Life!

ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት ቤኒንሻንጉል ጉሙዝን ኣምሓራን ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣድሂቦም ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት ቤኒንሻንጉል ጉሙዝን ኣምሓራን ኣይተ ኣሻዲሊ ሓሰንን ዶክተር ይልቃል ከፋለን ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣድሂቦም ተዛቲዮም።

ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን፥ “ህዝቢታት ክልላት ቤኒንሻንጉልን ኣምሓራን ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ኣብ ኩለመዳይ ሓበራዊ ተረባሕነት ሰላምን ልምዓትን ንምርግጋፅ ብዙሓት ስራሕቲ እናተሰርሑ ፀኒሖም ኢዮም” ኢሎም፡፡

ኣብ ቀፃሊ እውን ህዝቢታት ኣምሓራን ቤኒንሻንጉልን ንዘበናት ዝፀንሐ ሕውነታውነትን ሓድነትን ብዝበለፀ ምትእስሳር ብምጥንኻር ንክልቲኦም ክልላት ሓበራዊ ሰላምን ልምዓትን ንምድንፋዕ ከምዝስራሕ ገሊፆም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ካብዚ ብተወሳኺ፤ ኣብቲ ክልል ዞባ መተከል ዝተፈጠረ ፀገም ፀፅታ ንምፍታሕን ኣብቲ ከባቢ ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ንምርግጋፅ ሓይሊ ፀፅታ ተዋዲዶም እናኸፈሉዎ ዝርከቡ መስዋእትነት ዕዚዝ ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለ ብግደኦም፥ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ክልል ህዝቢታት ሕገ-መንግስቲ መሰረት ብምግባር ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኣብ ምጥንኻር ዝተጀመሩ መድረኻት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.