Fana: At a Speed of Life!

ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት በዓል ዒድ ኣልፈጥር ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት ዓፋር፣ ኦሮሚያ፣ ደቡብ ኢትዮጵያ፣ ሃረሪ፣ ኣምሓራ፣ ማእኸላይ ኢትዮጵያን ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ መበል 1 ሺሕን 445 በዓል ዒድ ኣልፈጥር ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣወል ኣርባ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም÷ ዒድ ኣል-ፈጥር ህዝበ ሙስሊም ናይ ኩሎም ሰናይ ስራሕቲ ዝኾነ ወርሒ ረመዳን ብምፍናው፣ ፆም ብምፍጣር ብሓጎስ፣ ብምትሕስሳብን ብምትሕዝዛንን ዘኽብሮ በዓል ከምዝኾነ በምግላፅ፤ እንኳዕ ብሰላም ኣብፀሐኩም ኢሎም።

ህዝበ ሙስሊም ኣብ ሰላምን ልምዓትን ሃገር ንቑሕ ተሳታፊ ብምዃን ግዴታኡ ብግቡእ ክዋፃእ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ብግደኦም÷ “ሓቢርካ ጠጠው ናይ ምባልን ምትሕስሳብን ባህልና ብምጥንኻር ሓድነትና ክነጎልብት ይግባእ ክብሉ ገሊፆም።

ተኸተልቲ እቲ እምነት ኣብ ወርሒ ረመዳን እናገበሩዎ ዝፀንሑ ተግባር እዝነት ክቕፅለሉ ከምዝግባእ እውን ገሊፆም።

በዓል ዒድ ኣል-ፈጥር ናይ ምትሕስሳብ፣ ምትሕትታት፣ ምርድዳእን ናይ ምትሕብባርን በዓል ከምዝኾነ ዝገለፁ ድማ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ጥላሁን ከበደ ኢዮም፡፡

ህዝበ ሙስሊም ኣብ ቅዱስን ዓብዪ ወርሒ ረመዳንን ንኢትዮጵያ ሰላምን ፀጋን፣ ንህዝቢ ፍቕሪን ሓድነትን ወርሒ ሙሉእ ብፆምን ዱዓን አሕሊፉ ካብ ፈጣሪ እዝነትን በረከትን ዝቅበለሉ ፍሉይ ዕለት ከምዝኾነ ፀሪሖም፡፡

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ሃረሪ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም÷ ህዝበ ሙስሊም እቲ በዓል እንተኽብር ንዝተፀገሙ ወገናት ብምብላዕ፣ ብምስታይ፣ ብምትሕዝዛንን ምርድዳእን ንኽኸውን ፀዊዑ፡፡

“ኣብ ወርሒ ረመዳን ዝተርኣየ ናይ ምትሕስሳብ፣ ተኻልካ ምብላዕን ምርድዳእን ተግባር ቀፃነት ክህልዎ ይግባእ” ዝበሉ ድማ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ እንዳሻው ጣሰው ኢዮም።

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ነጋሽ ዋጌሾ ብግደኦም÷ ህዝበ ሙስሊም ቀደሙ ኣብ ናይ ፅባሕ ባህሊ ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ከምዝቕፅል ዘለዎም እምነት ገሊፆም፡፡

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ኣረጋ ከበደ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም÷ ህዝበ ሙስሊም ኣብ ወርሒ ረመዷን ብምትሕግጋዝ ከምዘሕለፎ፤ በዓል ዒድ ኣልፈጥር እንተኽብር እውን ሰናይ ተግባር ብዝበለፀ ብምፅናዕ ንኽኸውን ኣገንዚቦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.