Fana: At a Speed of Life!

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣብቲ ክልል ዘጋጠመ ድርቂ ክሳብ ወርሒ ሚያዝያ ክቕፅል ከምዝኽእል ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ሶማሌ ዘጋጠመ ድርቂ ክሳብ ወርሒ ሚያዝያ ክቕፅል ከምዝኽእል ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ ገሊፆም።

ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ ምስ ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ክልል ብምዃን ምስ ዳይሬክተር ዩኤስኤይድ ኣብ ኢትዮጵያ ሴን ጆንስ ኣብቲ ክልል ብዛዕባ ዘጋጠመ ድርቂ ኣመልኪቶም ተዛቲዮም፡፡

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ከምዝበሉዎ፥ ኣብ ክልል ሶማሌ ዘጋጠመ ድርቂ ክሳብ ወርሒ ሚያዝያ ክቕፅል ይኽእል ኢዩ።

ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እቲ ክልል ብድርቂ ዝተጎድኡ ክፋላት ማሕበረሰብ ካብ ሓደጋ ሕፅረት ምግቢ ንምክልኻል ስራሕቲ እናሰርሑ ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡

ንእንስሳት ዝኸውን መኖ እናቕረቡ ከምዝኾኑ እውን ኣብሪሆም።

ዳይሬክተር ዩኤስኤይድ ኣብ ኢትዮጵያ ሴን ጆንስ ብግደኦም፥ ትካሎም ብድርቂ ንዝተጎድኡ ወገናት ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምግባር ብቖራፅነት ከምዝሰርሕ ምግላፆ ካብ ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.