ሪፐብሊክ ኮሪያ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትሕብባር ልምዓት ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ-ኣምባሳደር ጃንግ ካንግ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሪፐብሊክ ኮሪያ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትሕብባር ልምዓት ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ ክብሉ ኣምባሳደር ሪፐብሊክ ኮሪያ ኣብ ኢትዮጵያ ጃንግ ካንግ ገሊፆም።
እቶም ኣምባሳደር ከልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ፅኑዕ ከልቲኣዊ ርክብ ከምዘለወን ተዛሪቦም።
ኣብ ዓውዲ ፖለቲካ፣ ኢኮኖሚን ልምዓትን ዘለወን ታሪካዊ ርክብ ኣብ ካልኦት ዓውዲታት ምትሕብባር ይሰፍሕ ከምዘሎ ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ቀረባ እዋን ኣብታ ሃገር ዝነበሮም ፃንሒት እናማዕበለ ንዝመፅአ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ከምዘጠናኽር ተዛሪቦም።
ኣብቲ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ክልቲአን ሃገራት ብኮሚሽን ስነ ምግባርን ፀረ ግዕዚይናን ኢትዮጵያን ኮሚሽን ፀረ ግዕዚይናን መሰላት ስቪልን ደቡብ ኮሪያን ኣቢለን ሰነድ ስምምዕነት ከምዝኸተማ ገሊፆም።
ኣብ ቀፃሊ ኣርባዕተ ዓማውቲ ነዝትግበሩ ፕሮጀክትታት ዝኸውን ናይ 1 ቢሊየን ዶላር ስምምዕነት ማዕቐፍ ፋይናንስ ከምዝኸተማ አወን ኣዘኻኺሮም።
እቲ ስምምዕነት ርከብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ዝሓሸ ብራኸ ክብ ይብል ምህላዉ ዘርእይ ኢዩ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቢ።