ሪፎርምታት ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ውፅኢታዊ ንምግባር ትኹት መንግስቲ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ – ም/ቀ/ሚ ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሪፎርምታት ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ውፅኢታዊ ንምግባር ትኹት መንግስቲ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም÷ “ሎሚ መዓልቲ ብ መውሃቢ ኣገልግሎት ዓማዊልን ማእኸላት ፃውዒትን ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ትዕዝብቲ ብምግባር እቲ ትካል ንዓማዊሉ ዝህቦ ኣገልግሎት ዝሐሸ ንምግባር እናወገኖም ዝርከቡ ስራሕቲ ሪፎርም ከምዝተመልከቱ ገሊፆም፡፡
“እቲ ኣገልግሎት ብዙሓት ዓማዊል ናይ ምትእንጋድ ዓቕሙ ብምድንፋዕ ምንግልታዕ ንምንካይን ግልፂ ኣሰራርሓ ስርዓት ንምትግባርን ኣብ ዘሳለጦም ተግባራት ተዛቲና” ኢሎም፡፡