Fana: At a Speed of Life!

ሩስያ ዲፕሎማሰኛታት ሰለስተ ሃገራት ኣውሮፓ ኣባሪራ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩስያ ዲፕሎማሰኛታት ሰለስተ ሃገራት ኣውሮፓ ኣባሪራ።

እታ ሃገር ኣብ ፈለማ ናይዚ ሰሙን ንኣሌክሲ ናቫልኒ ብምድጋፍ ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ከም እተሳተፉ ዝገለፀቶም ዲፕሎማሰኛታት ጀርመን፣ ስዊድንን ፖላንድን ኢያ ኣባሪራ።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሩስያ፥ እቶም ዲፕሎማሰኛታት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 23 ጥሪ 2021 ኣብ ዝተኻየደ “ዘይሕጋዊ ሰልፊ ተቓውሞ” ከም እተሳተፉ ሓቢሩ።

ሃገራት እቶም ዲፕሎማሰኛታት ከምኡ’ውን ኢንግሊዝ፣ ፈረንሳን ኣውሮፓዊ ሕብረትን ነቲ ምስጓግ ኮኒነንኦ ኣለዋ።

ኣሌክሲ ናቫልኒ ንፕሬዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብምንቃፍ ዝፍለጥ ተቓዋሚ ፖለቲከኛ እዩ።

እቲ ምስጓግ፥ ፀሓፊ ጉዳያት ወፃኢ ኣውሮፓዊ ሕብረት ጆሴፍ ቦረል ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ ኣብ ሞስኮ ድሕሪ ምርኻቦም ድሕሪ ሒደት ሰዓታት እዩ ተገሊፁ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.