Fana: At a Speed of Life!

ሩሲያ 75 ድሮናት ዩክሬን ከምዘዕነወት ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብልሓት ምክልኻል ነፈርቲ ሩሲያ 75 ድሮናት ዩክሬን ከምዘዕነወ ሚኒስቴር ምክልኻል እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣስታት ፍርቂ እተን ዝዓነዋ ድሮናት ኣብ ደቡብ ምዕራብ ሩሲያ ኣብ እትርከብ ግዝኣት ሮስቶቭ ከምዝተወቕዓ ተገሊፁ።

ካብ ዩክሬን መጥቃዕቲ ንምብፃሕ ዝተንቀሳቐሱን ኣብ ግዝኣት ሮስቶቭ ዝዓነዋን 47 ድሮናት ከምዝኾና እቲ ሚኒስቴር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ቴሌግራም ገፁ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ሓቢሩ።

ካብዚአን እተን 17 ኣብ ፀሊምን ኣዞቭን ባሕሪ፣ እተን ሸሞንተ ድማ ኣብ ግዝኣት ክራስኖዳር፣ ሓንቲ ድማ ኣብ ግዝኣት ቮሮኔዥን ስሞልንስክን ኣብ ቤልጎሮድ ከምዝዓነዋ ሬውተርስ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.