Fana: At a Speed of Life!

ሩሲያ ክታበት ፀረ ቫይረስኮሮና ምሃብ ጀሚራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ሩሲያ ብለበዳ ቫይረስ ኮሮና ብልዑል ብርኪ ተቓላዕቲ ንዝኾኑ ዜጋታት ክታበት ፀረ ቫይረስኮሮና ምሃብ ጀሚራ።
እቲ ክታበት፥ ነዚ ተባሂሎም ኣብ ዝተኸፈቱ ሓደሽቲ ክሊኒካት እናተውሃበ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡
ስፑትኒክ ቪ ዝተብሃለ እዚ ክታበት፥ ካብ ትማሊ ዕለት ጀሚሩ ኣብ 70 ክሊኒካት ምሃብ ተጀሚሩ ኣሎ፡፡
ነዚ ስዒቡ ድማ ሩሲያ ብብዝሒ ክትባት ቫይረስ ኮሮና ብመሃብ ፋላመይቲ ሃገር ኮይና ኣላ፡፡
ንፈለማ እዋን እናተውሃበ ዝርከብ ድማ ብልዑል ብርኪ ተቓላዕቲ ንዝኾኑ ሰብ ሞያታት ሕክምና፣ መምህራንን ማሕበራዊ ግልጋሎት ወሃብቲ ኣካላትን ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡
ኣብ ሩሲያ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ እዋን ልዕሊ 2 ነጥቢ 4 ሚሊየን ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ እንትኾኑ፥ 42 ሺሕን 684 ድማ ህይወቶም ሓሊፉ ኢዩ፡፡
ፍልፍል፡- ቢቢሲ
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.