Fana: At a Speed of Life!

ሩሲያ ካብ ኣውሮፓ ናብ ዩክሬን ተላኢኹ ዝበለቶ ኤስ-300 ዝተብሃለ ሰርዓት መከላኸሊ ሚሳኤል ከምዘዕነወት ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዚያ፣ 2014 (ኤፍ )ሩሲያ ካብ ኣውሮፓ ናብ ከባቢ ከተማ ዲኒፕሮ ዩክሬን ተላኢኹ ዝበለቶ ኤስ-300 ዝተብሃለ ሰርዓት መከላኸሊ ሚሳኤል ከምዘዕነወት ገሊፃ።

እቲ መከላኸሊ ትማሊ ካሊብራ ብዝተብሃለ ሚሳኤል ሩሲያ ከምዘዕነወቶ ኣቐባሊ ቃል ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሩሲያ ኢጎር ኮናሼንኮቭ ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ ኤስ-300 መከላኸሊ ሚሳኤል፣ ኣስታት 25 ዝኾኑ ኣባላት ሰራዊት ዩክሬንን ኣብ ከባቢ ዶኔስኮ ዝርከብ ክልተ መከላኸሊ ኣፅዋር ዘለውዎ ትካል ፅገና ከምዝተወቕዐ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ራዳር ኤስ-300፣ ትሽዓተ ታንኪ፣ ሓሙሽተ ኣውቶማቲክ መዳፍዕ፣ ሓሙሽተ ማኮብኮቢያታት ሮኬት፣ ክልተ ኤስ-25 ተዋጋእቲ ኣውሮፕላናት፣ ኣርባዕተ ሰብ ኣልባ ኣውሮፕላናትን ኣርባዕተ መኽዘን ኣፅዋራት ሓዊሱ 78 መሰረተ ልምዓታት ወተሃደራዊ ዩክሬን ናውቲታት ምዕናዎም ኣናዶሉ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/detailsኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1 ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

          

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.