Fana: At a Speed of Life!

ሩሲያ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትሕብባር ከምተጠናኽር ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ምትሕብባር ኣጠናኺ ክቕፅል ከምዝደሊ ሚኒስቴር ትምህርቲ ሩሲያ ኣፍሊጡ፡፡

ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ምስ ሚኒስቴር ትምህርቲ ሩሲያ ከምኡ እውን ካብ ትካላት ምርምር ትምህርቲ ሩሲያ ዝተውፃእፅኡ ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ÷ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሩሲያ ብዘሎ ምትሕብባር ትምህርቲን ስልጠናን ትኹረት ገይሮም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ተግባራዊ እናኾነ ዝርከብ ስርዓት ትምህርቲ፣ ውዳበን ስትራቴጂካዊ ኣንፈት ትኹትን ኣመልኪቶም መብርሂ ሂቦም፡፡

ፅሬት ትምህርቲ ሓዊሱ ኣብ ዝቕፅሉ ዓመታት ዓውዲ ትምህርቲ ናብ ዝሐሸ ብርኪ ንምብፃሕ እናተወገኑ ዝርከቡ ስራሕቲ ሪፎርም ኣብሪሆም።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢን ዓለም ለኸ ርክባትነ ሚኒስቴር ትምህርቲ ሩሲያ ኡስማን ኣብዱልኣዝቪክ ብግደኦም÷ ሩሲያ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትሕብባር ትምህርቲን ስልጠናን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምዕባይ ድሌት ከምዘለዋ ኣረጋጊፆም፡፡

ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ወገናት ዘሎ ምትሕብባር ዓውዲ ትምህርቲ ንምሐዳስ ዝውገኑ ስራሕቲ ብዲፕሎማቲክ ቻናል ኣቢሎም ንምፍፃም ኣብ ስምምዕነት ምብፀሖም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.