Fana: At a Speed of Life!

ሩሲያ ኣብ ምብራቓዊ ዩክሬን ትርከብ ከተማ ኣዲቪካ ተቖፃፂራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ወታደራዊ ሓይሊታት ሩሲያ ኣብ ምብራቓዊ ዩክሬን ትርከብ ከተማ ኣዲቪካ ከምዝተቖፃፀሩ ኣፍሊጦም።

እታ ከተማ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሓይሊታት ሩሲያ ዝወዓለት ወታደራዊ ሓገዝ ኣሜሪካ ምድንጓዩ ስዒቡ ዩክሬን ሕፅረት ተተኳሲ ስለዘጋጠማ ከተማ ኣዲቪካ ለቒቓ ምውፃኣ ስዒቡ ኢዩ፡፡

ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ወታደራዊ ሓይሊታ ሩሲያ ነታ ከተማ ምቁፅፃሮም ነቲ ጦር ወሳኒ ዓወት ከምዝኾነ ብምግላፅ÷ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም፡፡

ሩሲያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጉንበት ኣብ ምብራቓዊ ዩክሬን ትርከብ ከተማ ባክሙት ካብ ትቆፃፀር ንደሓር እዚ ካልኣይ ዘመዝገበቶ ዓብዪ ዓወት ከምዝኾነ ብምፅራሕ ሲጂቲኤን ፀብፂቡ፡፡

ክልተ ዓመታትን ክደፍን ኣብ ዝተቐረበ ኲናት ክልቲአን ሃገራት÷  ትልሚ ፀረ መጥቃዕቲ ዩክሬን ብሓይሊታት ሩሲያ ከምዝፈሸለ ተገሊፁ፡፡

ጦር ሩሲያ ብተፃራሪ ንኬዬቭ ንምቁፅፃር ዝገብሩዎ ምንቅስቓስ ኣጠናኺም ከምዝቐፀሉ ተሓቢሩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.