Fana: At a Speed of Life!

ሩሲያ ናይ ሽዱሽተ ዲፕሎማሰኛታት ብሪታኒያ ኣፍልጦ ሰሪዛ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ ብገበን ስለላ ዝጠርጠረቶም ሽዱሽተ ዲፕሎማሰኛታት ብሪታኒያ ኣፍልጦኦም ከምዝሰረዘት ኣፍሊጣ፡፡

ኣገልግሎት ፀፅታን ድሕንነትን ሩሲያ ኤፍ ኤስ ቢ÷ እቶም ዲፕሎማሰኛታት ድሕንነት ሩሲያ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ምንቅስቓስ እናገበሩ ከምዝነበሩ ኣፍሊጡ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ እቶም ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ምብራቕ ኣውሮፓን ማእኸላይ እስያን ዘሎ ፖለቲካዊን ወታደራዊን ኩነታ ንኸተሓባብሩ ከምኡ እውን እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ኲናት ሩሲያ ንኽትሰዓር ስትራቴጂካዊ ትልሚ ንኸውፅኡ ሓላፍነት ተዋሂቡዎም ከምዝነበረ ተሓቢሩ፡፡

በዚ ድማ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሩሲያ ናይ ሽዱሽቲኦም ዲፕሎማሰኛታት ብሪታኒያ ኣፍልጦ ብምስራዝ ካብታ ሃገር ንኽወፅኡ ከምዝወሰነ ተገሊፁ።

ብሪታኒያ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ዝበለቶ ነገር ከምዘየለ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.