Fana: At a Speed of Life!

ሩሲያ ናብ ቤላሩስ መሳርሒ ኲናት ኒውክሌር ናይ ምብፃሕ ስራሓ ከምዝዛዘመት ሉካሼንኮ ተዛሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ ናብ ቤላሩስ መሳርሒ ኲናት ኒውክሌር ናይ ምብፃሕ ስራሓ ከምዝዛዘመት ፕሬዚዳንት ቤላሩስ ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ ተዛሪቦም።

ሉካሼንኮ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ዩሬዢያ ኢኮኖሚ ሩሲያ ትማሊ ምሸት ናብ ሴንት ፒተርስበርግ ኣቕኒዖም።

ኣብቲ እዋን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ካብ ክሬምሊን ናይ መወዳእታ መሳርሒ ኲናት ታክቲካል ኑክሌር ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም.ፈ ከምዝተልኣኸ ተዛሪቦም።

ኣብ መብርሂኦም ናብ ሃገሮም ዝተልኣኸ መጠን እቲ ኣፅዋር ኣይገለፁን።

ኩሉ ነገር ብፅቡቕ ኩነታት ኣብ ቦትኡ ከምዘሎ ምዝራቦም ዩ ፒ ኣይ ፀብፂቡ።

ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ሃገሮም ምስ ዩክሬን ኣብ እትገብሮ ዘላ ኲናት ኣብ ቤላሩስ ኣብ ሓፂር ርሕቐት ታክቲካል መሳርሒ ኲናት ኒውክሌር ከምዘስፍሩ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ምግላፆም ይዝከር።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.